
ግኔስታ ኮሙን: ኣብዚ ኮሙንን ኣብ ሽወደንን ጋሻ ንዝኾንካ ንዓኻ ደገፍን መምርሕን ይህብ። ናይዚ ኮሙን ብዓል-መዚ ማሕበራዊ ውህደት: ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ፍቓድ ንዝወሰዱ ሓደስቲ መጻእቲ ማዕጾኡ ክፉት’ዩ። እዚ ብዓል-መዚ ማሕበራዊ ውህደት: ነቶም ክትሰርሑ ወይ ክትመሃሩ ኢልኩም ናብ ግኔስታ ዝገዓዝኩም’ውን ሓበሬታ ይህብ’ዩ። ነቶም ንውልቆም ዚመጹ ቈልዑ ዕቝበኛታት ግን: ክፍሊ ሓልዮት ውልቀሰብን ስድራን (Individ- och familjeomsorgen)እዩ ሓላፍነት ዚስከመሎም።
ንዝተፈላለዩ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም ዘለካ ብዝምልከት’ውን ኣብ ቤ/ጽ መድቦርያርኮንቱረት (medborgarkontoret) ሓበሬታ ናይ ምርካብ ኣተኽእሎ ኣሎ። ቅጥዕታት ኣምጺእካ ክትመልኦም: ከምኡ’ውን ካልእ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል’ዩ። መድቦርያርኮንቱረት ኣብ ስትሮመንቶርየት (Strömmentorget) ማለት ኣብቲ ኣብ ማእከል ግኔስታ ዘሎ ቤት ንባብ ዚርከበሉ ህንጻ ኣሎ።
ንውልቅኻ እትነብር በጽሒ ዅን ወይ ቈልዓ ዘሎካ ብዓል-ስድራ ብዘየገድስ: ናብ ሽወደን ክትግዕዝ ከለኻ ክትርስዖም ዘይብልካ ነገራት ኣለዉ። ካብዚ ስዒቡ እምበኣር: ኪሕግዘካ ዚኽእል ዝርዝር ቅልል ዝበሉ ነገራት ኣሎ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ብዓል-መዚ ማሕበራዊ ውህደት ብቝጽሪ ስልኪ 158 - 275 470 ርክብ ግበር።
ኣብዚ ታሕቲ: ፋልማይካ ኣብ ግኔስታን ሽወደንን ክትቅመጥ ከለኻ: ናብራ ከቃልለልካ ዚኽእል ሓባር-መንገዲ ሓበሬታ (ሌንክ) ኣኪብናልካ ኣለና። ኣብዘን ገጻት ዘሎ ሓበሬታ ብሓያለ ቋንቋታት ቀሪቡ’ሎ። ነቲ ሓባር-መንገዲ (ሌንክ) ጠዊቕካ ቋንቋኻ ምረጽ።
ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (ፎርሸክሪንስካሳን) - ሽወደናዊ ስርዓተ-ውሕስነት
ፎርሸክሪንስካሳን ምስ ፊልም ስርዓተ-ውሕስነት ሽወደን
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ንሓደስቲ ዚወሃብ ትምህርቲ
ብዛዕባ ህዝባዊ መሰል (ኣለማንስረተን) – ኣብ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ ሃገረ-ሽወደን ንምንቅስቓስ ዘኽእሉ መሰላትን ግቡኣትን: ሕጊ እንታይ ይብል?
ቮርድጋይደን - ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ከመይ ይሰርሕ፧
ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) – ስራሕን ፕራክቲክን ንምርካብ ከመይ ትገብር፧
ሃየ ናብ ግኔስታ ኮሙን ደዊልካ: ጕዳይካ ብምሕባር ሓገዝ ርኸብ።